Skip to main content

Posts

Showing posts from May, 2018
እወ! አንበሳ እንትኣርግ መጫወቲ ኣናፁ ይከውን ንዕኡ ዝመስል ኩርኩር አንበሳ እንተወሊዱ ግን አይኮነን አሪጉ ኢለን ኣናፁ ክዕንድራሉ መይቱ ተቀቢሩ እኳ መቀብሩ አይክደፍርኣን ። እሞ አቱም አያታትና አጀኩም ዝከአለኩም ገይርኩም ኢኩም ሕጂ ልዕሊ ዓቅምኩም እዩ ፣ ግን ኣንበሳ ምራኽ ስለዘይወልድ ፣ ከምቲ ንህቢ እውን ሃንቀላ ዘይጫጭሕ ፣ እታ ነዓኹም ንህወሓት ዘፍረየት ወሓለ ማህፀን ናይ ጀጋኑ ትግራይ ባሩድ ባሩድ ዝሸትት ውላድ አንበሳ አግአዚያን አፍርያ ኣላ ፣ እሞ ከምቲ ጅግና ወላዲ ኣብ አጋ ምማቱ ወይ ድኻሙ ኩሉ ንደቁ ዘለዎ ታሪክ ፣ መስጢር ፣ ምክሪ፣ ሃፍቱ ዘውርስ በጃኩም ህልኽ አይሓዝኩም ብቀሊል መስዋእቲ ኣብ ሓፂር ግዘ አግዚያን ክዕወት ፣ ኣብ ናይ ክብርን ጀግንነትን ማህደር ክትሰፍሩ ደቅኹም ደቂ ደቅኹም ክኮርዑ ፣ብህዝቢ ክክበሩ ንአግዚያን ሓግዝዎ ፣ ብዓርሱ ዝተኣማመን ይጥርጥር እምበር ነገራት ከይሞከረ ብማዕዶ አይሰግእን እመኑና አግዚያን ምዕዋቱ አይተርፍን ግን ታሪክ ስርሑ ። አግአዚያን ንህነ ከሠአበዊነ ።