እወ! አንበሳ እንትኣርግ መጫወቲ ኣናፁ ይከውን ንዕኡ ዝመስል ኩርኩር አንበሳ እንተወሊዱ ግን አይኮነን አሪጉ ኢለን ኣናፁ ክዕንድራሉ መይቱ ተቀቢሩ እኳ መቀብሩ አይክደፍርኣን ። እሞ አቱም አያታትና አጀኩም ዝከአለኩም ገይርኩም ኢኩም ሕጂ ልዕሊ ዓቅምኩም እዩ ፣ ግን ኣንበሳ ምራኽ ስለዘይወልድ ፣ ከምቲ ንህቢ እውን ሃንቀላ ዘይጫጭሕ ፣ እታ ነዓኹም ንህወሓት ዘፍረየት ወሓለ ማህፀን ናይ ጀጋኑ ትግራይ ባሩድ ባሩድ ዝሸትት ውላድ አንበሳ አግአዚያን አፍርያ ኣላ ፣ እሞ ከምቲ ጅግና ወላዲ ኣብ አጋ ምማቱ ወይ ድኻሙ ኩሉ ንደቁ ዘለዎ ታሪክ ፣ መስጢር ፣ ምክሪ፣ ሃፍቱ ዘውርስ በጃኩም ህልኽ አይሓዝኩም ብቀሊል መስዋእቲ ኣብ ሓፂር ግዘ አግዚያን ክዕወት ፣ ኣብ ናይ ክብርን ጀግንነትን ማህደር ክትሰፍሩ ደቅኹም ደቂ ደቅኹም ክኮርዑ ፣ብህዝቢ ክክበሩ ንአግዚያን ሓግዝዎ ፣ ብዓርሱ ዝተኣማመን ይጥርጥር እምበር ነገራት ከይሞከረ ብማዕዶ አይሰግእን እመኑና አግዚያን ምዕዋቱ አይተርፍን ግን ታሪክ ስርሑ ።
አግአዚያን ንህነ ከሠአበዊነ ።
አግአዚያን ንህነ ከሠአበዊነ ።
Comments
Post a Comment