ህዝቢ ትግራይ ትግርኚ ቁዱስ ተሞክሮ ካብ ልሳነ ምድረ ኮርያ ክትወስድ አግአዝያን አጥቢቁ ይደሊ
ሰሜንን ደቡቡን ኮርያ ሎሚ ዕለት ፊት ንፊት ተቀሚጦም ክዝትዩ እዮም ። ንከባቢ 50 ዓመታት ከይተራከቡ ዝፀንሑ ስድራቤታት ክልቲአን ኮርያ እቲ ዘተ ናይ ሰለምን ስድራቤትን በሪ ክከፍተሎም ብ ሃንቀውታ ይፅበዩ አለው ። ሓደ ሽማግለ ከም ዝገለፅዎ ወዲ 14 ዓመት እንዳሃለው ዝተለይዎ ሓዎም ከይመቱ ብአካል ክርእይዎ እዚ ሓዱሽ ዘተ ዕድል እንተፈጠረ ኢሎም ብሃረርታ ከታተልዎ ከም ዘለው ገሊፆም ። መራሕቲ ክልቲአን ኮርያ ማለት እውን ኪም ጆነግ ኡንን ሙንጃኢንን ዝገብርዎ ዘለው ምቅቅርራብ ኣብ ልሳነ ኮርያ ሓዱሽ ናይ ሰለም ንፋስ ክነፍስ ይጅምር ኣሎ ኮርያውያን ነዞም መራሕቲ ፈጣሪ ዝለገሰሎም ናይ ብሓቂ ከመስግንዎ ይግባእ ። ልሳነ ትግርኛ ከ ነዞም ንሪኦም ዘለና መራሕትና ስለዝሃበና ንሓዝን አለና ። እንተኮነ ግና ህዝቢ ትግራይ ትግርኚ ተዛራቢ ትግርኛ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ፅላል ማየአ / አግአዚያን/ተወዲቡ ኣብ ምቅላስ ይርከብ ። ሕጂ ድማ ብ ዝበለፀ ካብ ኮርያውያን ናይ መነቃቅሒ ከኒና ክንወስድ ይግባእ
ግዜ ይወስድ እምበር ዓወትስ ናይ ግድን እዩ ክዕተር !
ግዜ ይወስድ እምበር ዓወትስ ናይ ግድን እዩ ክዕተር !
Comments
Post a Comment